ውህደት እንታይ እዩ?
ኣብ ነዘርላድ ምውህሃድ የድልየኩም ድዩ? ቋንቋን ባህልን ነዘርላንድ ክትመሃሩ ኣለኩም። መብዛሕትኡ ግዜ ፈተናታት እውን ክትሓልፍ ኣለኩም። ብድሕሪኡ ናይ ውህደት ዲፕሎማ ወይ ምስክር ወረቐት ክት ረክቡ ኢኹም።
ን Wi2021 ጥራይ
እዚ ደረጃ ብደረጃ ትልሚ ብመሰረት ሕጊ ሲቪክ ውህደት 2021 (Wi2021) ንዝወሃሃዱ ውልቀሰባት እዩ። ብፍቓድካ ትወሃሃድ እንተኾንካ ደረጃ ብደረጃ ትልሚ ክትፈጥር እውን ትኽእል ኢኻ።
ብመሰረት ሕጊ ሲቪክ ውህደት 2013 (Wi2013) ትወሃሃድ ዲኻ? እንታይ ክትገብር ከም ዘለካኸ ክትፈልጥ ትደሊ ዲኻ? ድሕሪኡ ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም።